Post has attachment
ኦሪት ዝፍጥረት 11:1-9
The Tower of Babel (Genesis 11: 1-9)

ትግርኛ (Tigrinya)
ሕዝቢ ዓለም ብምሉኡ፥ ሓደ ቛንቛን ሓደ ዝረባን ነበሮ።
ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ፥ ኣብ ምድሪ ስናኦር ጐልጐል ረኸቡ፥ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ።
ንሓድሕዶም ድማ "ክላ ግዳ፥ ጡብ ንሥራሕ እሞ ብሕዊ ንብስሎ" ተባሃሃሉ። ኣብ ክንዲ ብእምኒ ብጡብ፥ ኣብ ክንዲ ብጸብሪ ድማ ብቕጥራን ገይሮም ሠርሑ።
ሽዑ ኽኣ "ክላ ግዳ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ፥ ሰማይ ዚጥንቍር ግምቢ ዘለዋ ኸተማ ንሥራሕ፥ ስምና ኽኣ ነጸውዕ" በሉ።
እግዚአብሔር ድማ ነቲ ደቂ ሰብ ዚሠር ሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ።
እግዚአብሔር ድማ "እንሆ፥ እዚኣቶም ሓደ ቛንቋ ዚዛረቡ ሓደ ሕዝቢ እዮም። መጀመርታ ኺገብርዎ ዝኸኣሉ እዚ እዩ። ድኀሪ ደጊም ነቲ ኺገብርዎ ዚህቅኑ ካብ ምፍጻም ኪኽልክሎም ዚኽእል ገለ እኳ የልቦን።
እምበኣር ንሓድሕ ዶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድ እም ቋንቋኦም ንደባልቕ" በለ።
እግዚአብሔር ድማ ኻብኡ ናብ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፥ ምሥራሕ እታ ኸተማ ድማ ገደፉ።
እግዚአብሔር ቋንቋ ሕዝቢ ዓለም ኣብኣ ፋሕፋሕ ስለዘበለ፥ እታ ኸተማ ባቢሎን ተባህለት። ካብእ ኸአ እግዚአብሔር ናብ ኵላ ምድሪ በተኖም

Wait while more posts are being loaded